ብዛዕባና - About Us

ዕላማና ቃል ኣምላኽ ከነጽንዕ፡ ብእምነት ክንዓቢ፡ ኣብ መንፈሳዊ ጉዕዞና ድማ ንሓድሕድና ክንደጋገፍ እዩ። ናይ ወንጌል ጽሑፋት ክንድህስስን ምስ ክርስቶስ ዘለና ርክብ ከነዕምቖ ኣብቲ ሰሙናዊ መደባትና ምሳና ተጸንበሩ።


We are a dedicated group of Christians coming together to study God's word, grow in faith, and support each other in our spiritual journey. Join us as we explore the scriptures and deepen our relationship with Christ.

ንባባት።


ክርስቶስ ብጹኣን ክንከውን ይደልየና (ማትዮስ 5:1-11)


"4 ዚጕህዩ፡ ምጽንናዕ ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። 5 ዓቃላት፡ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። 6 ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን፡ ኪጸግቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። 7 መሓርቲ፡ ምሕረት ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። 8 ጹሩያት ልቢ፡ ንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። 9 ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሀሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። 10 ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም። 11 እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩም፡ ብጹኣን ኢኹም።"

ንሱ ዝበለኩም ግበሩ


ኢየሱስ ናይ መጀመርታ ተኣምራት ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ዝገበሮ።(ዮሓ 2:11)


"በዚ መልክዕዚ ቅ.መጽሐፍ ከነንብብ ከሎና ማርያም ኣብ ሰንበት ናይ’ቲ እግዚአብሔር ዚፈጥሮ ዘሎ ሓድሽ ፍጥረት ትረአ ኣላ ማለት እዩ። አብ ብሉይ ናይ’ቲ እግዚአብሔር ዚኣተወልና ኪዳን መፈለጥታ ወይ ምልክት ዕረፍቲ ሰንበት እዩ። ናይዚ ሓድሽ ኪዳን ምልክት ከኣ ኢየሱስን ማርያምን እዮም። ኣብ ሥነፍጥረት እግዚአብሔር ብስሙ ኪጽዋዕ ከሎ፣ንሰብ ግና “ሰብአይን ሰበይቲን” ብምባል ጠራይ ይስይሞም።(ኢሽ..ኢሻ)። ከምኡውን ኣብ መርዓ ቃና፣ ኢየሱስ ብስሙ ክጽዋዕ ከሎ፣ንማርያም ብስማ ኣይጽዉዓን። “ኣደ ኢየሱስ” ወይ “ሰበይቲ” ጥራሕ ይብላ።

ምሉእ ንባብ-Read Full Chapter


እቲ ብስመይ ዝተሰምየ ሕዝበይ።


“እዚ ብስመይ እተሰመ ሕዝበይ ከዓ ትሕት እንተበለ ፡ እንተለመነ ፡ ገጸይ’ውን እንተደለየ ፤ ካብ ክፉእ መገዱ እንተተመልሰ ሽዑ እንካብ ሰማይ ክሰምዕ ኢየ ፡ ኃጢያቶም ከዓ ይቕረ ክብለሎም ምድሮም’ውን ክፍውሰሎም እየ” (2ይ ዜና መዋዕል ምዕራፍ 7:ፍቕዲ 14)።


ምሉእ ንባብ-Read Full Chapter

ዕለታዊ ኣስተንትኖ


መጽሓፍ ምሳሌ 3:5-6

"ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። 6 ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።" (መጽሓፍ ምሳሌ 3:5-6)


መልእኽቲ ጳውሎ ስ ናብ ሰብ ፊሊጲ 4:6-7

ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። 7 እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።


መልእኽቲ ናብ እብራውያን 10:24-25

ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። 25 እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ፡ ኣጸቢቕኩም ትርእዩ አሎኹም እሞ፡ ንሓድሕድና ንመዓዓድ እምበር፡ ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ፡ ኣኼባና ኣይንሕደግ።


ወንጌል ማቴዎስ 22:37-39

37 የሱስ ከኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ንፍስኻን ብዅሉ ሓሳባትካን ኣፍቅሮ፡ 38 እዚእ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ። 39 እታ እትመስላ ኻልኣይታ ድማ፡ ንብጻይካ ኸም ንፍስኻ ኣፍቅሮ፡ እያ።


መልእኽቲ ጳውሎ ስ ናብ ሰብ ሮሜ 12:10

10 ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም፡ ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ።

Sermons

Pastor David
ኣባ ተኽሊዝጊ ዑጊዮርጊዝ
ድሕነት።
ዝበለኩም ግበሩ

Gospel Songs

Gospel Songs
ዝተፋላለዩ መዛሙር
እውድስ ንስምካ
ብሂግካኒ
ፍቕርኻ ርእየዮ
እመን ኣይትፍራሕ
ኣነ ግና
ከዕልለካ
መንፈስ ሓቂ
ምሳና ሕደር
ደሙ

ሰሙናዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ።

Join Our Bible Study

  • Every Thursday evening at 9:00 PM EST
  • Tel: +1 712-832-7047 | Code: 6291