← Back Home

ኢየሱስ ናይ መጀመርታ ተኣምራት ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ዝገበሮ።

ወንጌል ዮሓንስ (ምዕራፍ 2 ፍቕዲ 11።)

“ኣቲ ሰበይቲ ምሳኺ እንታይ አሎኒ” ፤
ኢየሱስ ንማርያም “ኣቲ ሰበይቲ” ኢሉ ኪጽዉዓ ኸሎ፡ ዐሚቕ ምስጢር ዝኃዘ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝተመስረተ ሓቂ እዩ ዘራኢ ዘሎ።ካብ ኣገባብ ዝወጸ ኣዘራር’ውን ኣይኮነን። ማቴ 15፡28 ሉቃስ 13፡12 ዮሐ 4፡21 8፡10 20፡13 ረኣ። ብኻልእ ወገን ከኣ ብዘይካ ኢየሱስ ነዲኡ ወላዲቱ “ኣቲ ሰበይቲ” ኢሉ ዚጽዕ ኣብ ቅ.መጽሐፍ ኮነ ኣብ ካልእ ሥነ ጽሑፍ ኣይንረክብን። እዚ እንታይ እዩ ዘርኢ፣ ኢየሱስ ኮነ ዮሐንስ ወንጌላዊ ብተምሳል ሓደ ዓሚቚ፤ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝተሰረተ ሓቂ እዮም ዚምህሩ ዘለዉ።ይተካእ ይለቀብ ፤ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌል ዮሐንስ ንማርያም ብኻልእ ስም ኣይጽዉዓን እዩ። ኪመዉት ከሎ ከይተረፈ “ኣቲ ሰበይቲ” ኢሉ እዩ ዝጽዉዓ (ዮሐ 19፡26)።
ኣብ ቃና ዚፍጸም ዘሎ ኩነታት ንኽንርዳእ፤ ነቲ ዮሐንስ ዚዛረበሉ ዘሎ ዓቢይ ጉዳይ ማለት ሓድሽ ፍጥረት ክንዝክር የድሊ። ኣብ ብሉይ ኣዳም ንሄዋን “ኣቲ ሰበይቲ” ኢሉ ይጽውዓ።ስለዚ ቀዳማይ ኣዳም ቅዳመይቲ ሄዋን፣ካልኣይ ኣዳም ካልአይቲ ሄዋን።
ራእይ ዮሓንስ (12፡1-8)
ኣብዚ ማርያም “ዓቢይ ትእምርቲ” እያ ተባሂላ ዘላ። ከምቲ ኣብ ወንጌል ዮሐንስ ዝረኣናዮ፤ኣብዚ’ዉን መጽሓፍ ዘፍጥረት፤ መንጸፍ ናይ’ዚ ምዕራፍ’ዚ ኮይኑ ንርእዮ። ኣዳምን ሄዋንን ምስ ኃጥኡ ፤ እግዚኣብሔር ናይ ተስፋ ቓሉ ይህብ። “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይቲን፥ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልእ እተክል ኣሎኹ።ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ’ዩ፤ ንስኻ ድማ ሸኾናኡ ክትነክስ ኢኻ” (ዘፍ.3፡15)። ከም ሄዋን ቦኽሪ ወዳ ክትወልድ ትጸዓር፣ወዮ ገበል/ሰይጣን ክዓ ኪዉሕጥ ይወዳወድ። እቲ ሕፃን “ንዓለም ብበትሪ ሓጺን ኪገዝእ ዘለዎ” እዩ (12፡5 መዝ.2፡9)ረአ።
እዚ ኢየሱስ እምበር ካልእ ኪኸዉን ኣክእልን’ዩ።ስለዚ እታ ሰበይቲ ማርያም ክትከዉን ናይ ግዲ እዩ። በዚ ምኽንያትዚ’ዩ እታ ሰበይቲ ናይ ቤተክርስቲያን ትምሳል ኮይና ንረኽባ። እቲ ሕፃን ንሰማይ ምስ ተወስደ፣እቲ ገበል ነቶም “ብዛዕባ ኢየሱስ ዚምስክሩ ዝተረፉ ዘራኣ(ደቃ)” ይዋግኦም። እዚኦም “ሕዝቢ እግዚኣብሔር” ማለት ቤተ ክርስቲያን እያ (ራእይ12፡17)። ታሪኽ ቃና ዘገሊላ ንምርዳእ እምበኣር እነሆ ኣብ ዘፍጥረትን ራእይ 12ን ደገፍ ንረክብ ኣሎና።ኣብ ቃና ኮነ ኣብ ራእይ12 ከኣ ማርያም ፤ብኽልቲኡ “ሰበይቲ” ብዝብልን “ኣደ ኢየሱስ” ብዝብልን ክትጽዋዕ ንርኢ ኣሎና። ምስ እየሱስ ኮነ ምስ ሓዋርያት ከኣ ልዙብ ርክብ ኣለዋ። ኣብ ራእይ ከኣ ናይቶም “ብዛዕባ ኢየሱስ ዝምስክሩ”ኣደ እያ (12፡17)። ኣብ ቃና ከኣ ቀንዲ ተዋሳኢት ኢያ።(ዮሓ 19፡26-27)።
ሓዳስ ሄዋን አደ ኩሎም ሕያዋን።
ዮሓንስ ከኣ ኣብዚ ናይ ሓድሽ ፍጥረት ታሪኹ፣ ንማርያም ከም ሓዳስ ሄዋን ጌርና ክንርእያ እዩ ዝደልየና ዘሎ። ኣብ ቃና እቲ ብሰበብ ቐዳማይቲ ሄዋን ዝመጸ ኩነት ፍጺሙ ኪልወጥ ንርእዮ።ኣብ ገነት ኤደን ፤ እታ ቐዳማይቲ ሰበይቲ ንቐዳማይ ኣዳም ናብ ሓጥያት መርሓቶ።ኣብ ቃና፤ እታ ሓዳስ ሰበይቲ ንኻልአይ ኣዳም ቀዳማይ ተአምራቱ ንኺገብር ምኽንያት ኮነቶ። እታ ቀዳመይቲ ሄዋን፤ ኣዳም ካብ እግዚኣብሔር ንኺዓሉ ምኽንያት ኮነቶ፤ካልኣይቲ ሄዋን ግና ፤ግድነት ናይ ሕዝባ ፤ናብ ወዳ ተቕርብ፣ “ንሱ ዝመለኩም ግመሩ” ብምባል ከኣ ነቶም ተዓጠቕቲ ተኣዝዞ መሃረቶም። ቀዳመይቲ ሄዋን “ኣደ ኩሎምሕያዋን” እያ (ዘፍ 3፡3-20)። ሓዳስ ሄዋን ማርያም ከኣ ንሓዋርያትን ነቶም ተዓጠቕቲን ብኢየሱስ ኪኣምኑ ብምትብባዓ ኣድ ቤተክርስቲያን ማለት ኣደ ኩሎም ደቂ እግዚኣብሔር ኮነት (ዮሐ 1፡12፣19፡26-27) ፤(ራእይ 12፡17)።
መርዓ መሲሕ።
“ዕረፈቲ ሰንበት” ምልክት ናይቲ እግዚኣብሔር ምስ ቀዳማይ ፍጥረቱ ዚኣተዎ ኪዳን ከም ዝነበረ፣ከብካብ ቃና ፤ምስቲ ዂሉ በዓላቱን ብተአምራት ዝተረኽበ ናይ ሐጎስ ዌይኑን፤ምልክት ሓድሽ ኪዳን እዩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን መርዓ ሰብኣይን ሰበይቲን፤ ማለት መርዓ ኣዳምን ሄዋንን፤ ንራኢ።(ዘፍ 2፡23-24)። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ከኣ ሓድሽ ሰብአይን ሓዳሽ ሰበይቲን ፤ማለት ኢየሱስን ማርያምን ፤ ኣብ መርዓ ቃና ንርኢ። ርግጽ ማርያም ኣዲኡ እምበር መርዓቱ ኣይኮነትን። የግዳ ነቲ ወንጌላዊ ዮሓንስ ኪብሎ ደልዩ ዘሎ ዓሚቝ ትርጉም ቅዱስ ምጽሓፍ ንምግንዛብ ፤ነዚ ትሑትን ምድራዊን ዝኾነ ኣተሓሳስባና ንቍሩብ ጊዜ ንወግኖ። እዚ ኸኣ ማርያም ኣብ ቅዱሳት ምጻሕፍቲ “ጛል እስራኤል”፤ “ኣደ ሓድሽ ሕዝቢ እግዚኣብሔር”፤“መርዓት እግዚኣብሔር” ተባሂላ ብተምሳል ስለ እትጸዋዕ እዩ። ኣብ ቃና መርዓ ከም ዝተገብረ ንፈልጥ። መነመን ከም ዝተመርዉ ግና ኣይንፈልጥን ኢና። እቲ ኣቦ ዳስ “ኩሉ ሰብ ቅድም ጹቡቕ ውይኒ ፤ ምስ ሰኸሩ ኸኣ እቲ ሕምቕ ዝበለ የቕርብ። ንስኻ ግና ነቲ ጽቡቕ ክሳብ ሕጂ ኣጽኒሕካዮ” ኪብል ከሎ፤ ንኢየሱስ ዚዛረብ ዘሎ ይመስል(2፡10)።ዮሓንስ ኣስዕብ ኣቢሉ “ኢየሱስ ነዚ ናይ መጀመርታ ተኣምራቱ ምልክት እዚ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ዝገበሮ” ብምባሉ እዚ ዝዓይነቱ ርድኢት ከም ዘለዎ የርኢ። ብብሉይ ኪዳን “እግዚኣብሔር ንሕዝቡ እስራኤል ከም ዚምርዓዎም፣ሓዲሽን ዘልኣለማውን ኪዳን ከም ዚኣትወሎም”፤ ትስፍው እዩ ነይሩ።ዮሓንስ ወንጌላዊ እንሆ ተፈጺሙ እዩ ዚብለና ዘሎ።ሆሴዕ 2፡16-25፤ኤር 2፡1-2፣ 3፡1፤6-12፤ሕዝ 16፤ኢሳ 50፡1፤ 54፡4-8፣ 62፡4-5፤መሓልየ መሓልይ ብምሉኡ ርአ። ብፍላይ ኣብ ሆሴዕ 20፡20-21 ግልጺ እዩ ፤ምስ ዘፍ 2፡20-21-24-25 ኣረኣእዮ። ምምጻእ መሲሕ፤ ብብዝኂ ወይኒ ከም ዝስነ፤ ኣብ ብዙኅ ነንብብ ሆሴዕ 2፡23 ፤ኣሞጽ 9፡13-14፤ኢዮኤል 2፡19፣4፡18፤ዘካርያስ 9፡16-17፣10፡7፤ኢሳ 25፡6)። እግዚኣብሔር ንሕዝቡ ከም ዝተመርዓዎም ዜርኢ መኃልየ መኃላይ እዉን ወይኒ ምልክት ሕጎስን መርዓን ከም ዝኾነ ይገልጽ።
መርዓት ሓድሽ ኪዳን ዮሓንስ ንኢየሱስ፣ኣብቲ ኣብ ቃና ዝተገበረ፤ ናይ ሓሽ ኪዳን መርዓን ሓጎስን ፤ከም መሲሕ፤ከም መለኮታዊ መርዓዊ፤ ከም ምንጪ ናይ ሓዲስ ወይኒ ገይሩ እዩ ዜቕርቦ ዘሎ። እዚ ትርጉምዚ፤ በቲ ኣብ ራእይ ዮሓንስ እነንብቦ፤ ንምሉእ ዓለም ዝሓቖፈ መርዓን ከብካብን፤ ኪድግፍ ንርእዮ። እዚ እቲ ኢየሱስ ነታ መርዓቱ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ዚቕበለሉ መርዓ “ካብካብ’ቲ ገንሸል” እዩ።(ራእይ 19፡9 ፣ 21፡9 ፣ 22፡17)። ቃና መፈለምታ ኪኸውን ከሎ ፤ እዚ ኸብካብ’ዚ፣ኲሉ ተሓዲሹ “ሓድሽ ሰማይን ሓዲሽ ምድርን” ዝኾነሉ ናይ “ሓድሽ ፍጥረት” መደምደምታን መፈጸምታን እዩ።(ራእ 21፡1)። ኣብ ዮሓ1፡29፣36 ዮሓንስ ንኢየሱስ “ገንሸል ኣምላኽ”፤ ኣብ ራእይ 3፡29 ከዓ “መርዓዊ” ኢሉ ይሰምዮ። ኣብ ቃና ካዓ “ሓድሽ ኣዳም”፤ ናይቲ ሓድሽ ፍጥረት ቦኽሪ ገይሩ፤ ኣቕሪቡዎ ኣሎ። እዚ ግና ጋሻ ነገር ኣይኮነን። ብሓድሽ ኪዳን ዝተደገፈ ትምህርቲን ትርጉምን እዩ። ቅ. ጳዉሎስ ንኣዳም ምሳሌ ኢየሱስ (ሮሜ 5፡14) ከማኡ’ውን ሓዲስ ኣዳም ወይ ካልኣይ ኣዳም እሉ ይሰምዮ እዩ። (1ቆሮ 15፡21-22፣45-49)። ኸማኡ ኸኣ ማርያም፤ኣብ ቃና መርዓት ካልአይ ኣዳምን፣ኣደ “ሓድሽ ፍጥረትን” ኮይና ቐሪባ ኣላ። ነቶም ተዓጠቕቲ ድማ “ንሱ ዝበለኩም ግበሩ” ኢላ ተምሕሎም።ካልእ ማሕላ ኣይንርእን። እስራኤላዉያን ኪዳን ኪኣትዉ ከለዉ ዜዘዉትርዎ ኣዘራርባ እዩ። “ኣምላኽ ዝብሎ ኹሉ ክንገብር ኢና” (ዘፀ 10፡12፣ 19፡8፣ 34፡3-7 ዘዳ 5፡27፤ ኢያሱ 24፡24 ነህሚያ 5፡12)።

ስለዚ ማርያም “ንሱ ዝበለኩም ግበሩ” ብምባል ፤ንሓዋርያትን ነቶም ተዓጠቕትን፤ ኪእዘዝዎን፤ ኣብ ዝበሎ እምነት ከሕድሩን ከተተባብዖም፣ቃል ከተእትዎም፡ ከተምሕሎምዶ ክንብሎ፣ ንርእያ። ብግብሪ ከም ዝረኣናዮ ኸኣ፣ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ኮነ ኣብ ቅድሚ ሐዋርያት ወይ እቶም ተዓጠቅቲ ማርያም ክበረት እምበር ኣይሓፈረትን። (ዮሓ 2፡11-12)።

ጽሑፍ ክቡር ኣባ ተ/ዝጊ ዑ/ግዮርጊስ።